Radio Erena: 23 November 2022
ጸሓፉ ጉዳያት ውጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ትግባረ ምቑራጽ ቶዅሲን ስምምዕ ዘተ ሰላምን ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብቴሌፎን ከምዝተዘራፈበ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።
ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብቲ ብ22 ሕዳር ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ኣተኵሩ’ዩ ተመያይጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ሓገዛ ብዘይዕንቅፋት ንኽበጻሕን ኣብ ትግራይ ከምኡ ድማ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅምራን ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣመሪካ ትከታተሎ ከምዘላ እቲ ጸሓፊ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጽሉ።
እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ትግባር ስምምዕ ምቑራጽ ቶኽሲ ብዝቐልጠፈ ንክትግበር፣ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክስሕቡን ሓይልታት ትግራይ ድማ ዕጥቖም ክፈትሑን ኣገዳሲ’ዩ ክብል ኣብቲ ዝርርብ ኣስሚርሉ።
ንሱ ኣብ መወዳእታ፣ ኣመሪካ፣ ነቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ከምእትድግፍን ኣብ ምክትታሉን ምጽራዩን ብዝልዓለ ከምእትዋሳእን ኣረጋግጹ።
====================