ኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእል ንድፈ እማመ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ

Radio Erena: 23 November 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝዛዘሙን ተማህሮ ዩኒቨርሲቲን፣ ወትሃደራዊ ስልጠና ዘጠቓለለ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽእል ንድፈ እማመ ናብ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ።

እቲ ብሰሉስ 22 ሕዳር፣ ኣብ መበል ሓሙሻይ ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ንድፈ እማመ፣ ብወለንትኦም ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወርዱ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት፣ ምስ ሰራዊት ንክልተ ዓመታት ክጸንሑ ዝብል’ዩ።

እቲ እማመ ብተወሳኺ፣ ኢትዮጵያን መንእሰያት፣ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምፍናዎም፣ ከም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ምዝጉባት ኮይኖም ክጸንሑን ምስ ዘበርከትዎ ግቡኣት ዝመጣጠን ረብሓታት ክስርዓሎም የጠቓልል።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ካብ ተዓላሞ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንፍሉይ ወትሃደራዊ ተልእኾ የገድሶ’ዮም ዝተባህሉ ተፈልዮም ተወሳኺ ስልጠና ክወስዱ ምዃኖም እቲ ንድፈ እማመ የመልክት።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ካብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ምስዝተዋጽኡ መንእሰያት ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጅምር ከምዝኽእል ኣተንቢሁ።

እቲ ምስ ህሉው ኩነታትን ሞራልን ሰራዊት ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ናብ ፓርላማ ዝቕረበ እማመ፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ውትህድርና ዝርከቡ፣ ካብ ኮለነል ንላዕሊ ዝኾኑ ላዕለዎት መኮንናት፣ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነት ሓሓንቲ መኪና ከእትዉ ክፍቐዶም ዝብል ከምዝርከቦ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ፡

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0