ጅቡቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክቕጽል ሓቲታ

ጅቡቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክቕጽል ሓቲታ

Radio Erena: 02 July 2018

UN Djibouti

ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መሓመድ ስዒድ ድዋለ፣ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ዶባት ኤርትራን ጅቡትን ከምዘሰሓሕብ ብምጥቃስ፣ “ብኤርትራ ዝተታሕዘ መሬተ ጅቡቲ ኣሎ” ክብል ወቒሱ።

ብቀጠር ዝተጀመረ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ዝሓበረ እቲ ኣምባሳደር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ጉዳይ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ክፍታሕ ጽውዒት ምቕራቡ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ኣምባሳደር ብዘይካ’ዚ ኤርትራ ንተቓወምቲ ጅቡቲ ብምስልጣን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጅቡቲ ስግኣት ፈጥር ከምዘላ ብምምልካት፣ ነዚ ብኤርትራ ዝቐርብ ዘሎ ተጻብኦታትን ናይ ሓይሊ ስነ-መጎትን ብሕጋዊ መንገዲ ክሳብ ዝፍታሕ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተንብረ እገዳ ጸኒዑ ክቕጽል ተላብዩ።

ኮሚተ እገዳ ናብ ኤርትራ ኣትያ ምጽራይ ክትገብር ክፍቐደላ፣ ገና ሃለዋቶም ናይ ዘይተፈልጠ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ሓበሬታ ክትእክብን ብመንጎኝነት ሕ.ሃ ወከልቲ ክልቲኦም መንግስታት ናብ ዘተ ክቕርቡን ዝብል እማመ’ውን ኣቕሪቡ።

ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ፣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ሶማል፣ ጅቡትን ኢትዮጵያን ክትኣቱ ክፍቀደሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ከምዝነጸጎ ይዝከር።

ኣምባሳደር ጅብቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ጸኒዑ ክቕጽል ዝሓትት ዘሎ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ዝጀመርኦ ሓድሽ ርክባት እቲ እገዳ ክልዓል ኣብ ዝሓታሉ ዘለዋ ግዜ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ንጅቡቲን ኤርትራን ንምትዕራቕ ትሰርሕ ከምዘላ ኣምባሳደራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

=======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ዓ/ዓዚዝ ኣልሓጅ 5 years ago

    ቀጽሉዎ****