ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ መራሒ ስርዓት ደርግ ነበር ኮ/ል መንግስቲ ሃይለማርያም ተዘራሪቡ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ መራሒ ስርዓት ደርግ ነበር ኮ/ል መንግስቲ ሃይለማርያም ተዘራሪቡ

Radio Erena: 03 August 2018

Mengstu Hailemariam

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ “ናይ ምድማርን ይቕሬታን ኣዋጃት ኣብ ዘጋውሓሉ ዘሎ እዋን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ መራሒ ስርዓት ደርግ ነበር ኮለነል መንግስቲ ሃይለማርያም ኣብ ዚምባብዌ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተፍሊጡ።

እቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ኮለነል መንግስቲ ሃይለማርያም፣ ኣብ ሃራረ ኣብ ዝርከብ ቤት መንግስቲ ዚምባብዌ ብሓባር ተሳኢሉ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜዳያታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፣ “ድሕሪ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር፣ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣበርክቶ ዝገብሩ ብዙሓት መራሕቲ ክርኢ ይደሊ፣” ክብል ምንዮቱቱ ገሊጹ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብ ዚምባብዌ ንዝተኻየደ ምርጫ ንምዕዛብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተወኪሉ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተወሉ’ዩ ምስ መንግስቲ ሃይለማርያም ተራኺቡ።

ድሕሪ ርክብ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ኮለነል መንግስቲ ሃይለማርያምን፣ ኣብ ዝተተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ኢትዮጵያን፣ ነቲ ኣሽሓት ንጹሃት ሰባት ዘህለቀን ዓድታት ዘቓጸለን መራሒ ስርዓ ስርዓት ደረግ ብዓይኒ ምሕረት ተራእዩ ናብ ሃገሩ ይእቶ ዶ ኣይእቶ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ይካትዑሉ ኣለዉ።

ኣቐዲሙ በዚ ናይ ምድማርን ምሕረትን ኣዋጃት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተደፋፊኦም ላዕለዎት ስበ ስልጣን ደርግ ነበር ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያን ናብ ሃገሮም ክኣትዉ ክኢሎም’ዮም።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ፣ ናጽነት ኤርትራ ዘይድግፉ ሓይልታት’ውን ዘጣመረ ፖለቲካዊ ምድምማራት፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ መልእኽታት ይእንፍት።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝጠቕዖ ስእሊን መልእኽትን፣ ሓያሎ ክትዓት ድሕሪ ምልዓሉ፣ ኣልጊስዎ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0