ጅቡቲን ግብጽን ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብምትኳር ዘትየን

ጅቡቲን ግብጽን ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብምትኳር ዘትየን

Radio Erena: 12 February 2019

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጅቡትን ግብጺን ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዱ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክልቲኦም ሚኒስተራት ነዚ ዘተ ዘካየዱ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ’ዮም።

ጅቡቲ፣ ኣብ ሎጂስቲክ ናጻ ዞባ ዘገልግል ሓደ ትርብዒት ኪሎሚተር ንግብጺ ክትህባ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣቐዲመን ኣብ ስምምዕ በጺሐን’የን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ግብጺ፣ እዋናዊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ።

ንሱ፣ ነቲ መዝነት ካብ ፕረዚደንት ርዋንዳ፣ ፓል ካጋመ ብምርካብ፣ ክሳብ 2020፣ ኣቦ መንበር ናይቲ ሕብረት ኮይኑ ከግልግል’ዩ።

=================== 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0