ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝግህስ ተርእዮታት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝግህስ ተርእዮታት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 12 February 2019

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቀላቐል ዘሎ፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝግህስ ተርእዮታት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ንሳቶም ኣብቲ ትማሊ 11 ለካቲት፣ ኣብ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያውያን ዝርአ ዘሎ፣ ንሉኣላውነ ኤርትራ ዝግህስ መግለጺታት ብምቅዋም፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ስቕታ ምምራጹ ነቒፎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ መድረኽ፣ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን እታ ሃገር፣ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዘተን ክትዓትን፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረር ርእይቶታት ይህቡ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፣ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ናይ ምውናን ሕጋዊ መሰል ኣለዋ ክብሉ እንከለዉ፣ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ንኤርትራ ዝሓወሰት ካርታ ኢትዮጵያ ብምንብልባል፣ ክፍክሩ’ዮም ዝርኣዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት፣ ንሉኣላዊት ኤርትራ ወኪሉ ይዋሳእን መግለጺታት ይህበሉን ምስ ምህላዉ፣ ነቲ ብዝተፈላለዩ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ዝርአ ዘሎ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረር ርእይቶታት የራጉድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረር ተርእዮታት ንሓያሎ ኤርትራውያን ኣቖጢዑ ይርከብ።

ኤምባሲ ኢትይዮጵያ ኣብ ብሪጣንያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዱባይ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፣ ኢትዮጵያውያን ሒዞማ ዝነበሩ ንኤርትራ ዝሓወሰት ካርታ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ምዝርግሑ፣ ብኤርትራውያን ድሕሪ ዝገጠሞ ተቓውሞ፣ ብወግዒ ይቕሬታ ብምሕታት፣ ካብ ገጻቱ ከምዝኣለያ ይዝከር።

ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ለውጢ መድረኽ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ሞትን ስቓይን ዝገበሩ፣ ሰበ ስልጣን ናይቶም ዝወደቑ ስርዓታት፣ ከም ጀጋኑን ሃገራውያንን ብኽብሪ ይቕበሎም ምህላዉ ካልእ ንኤርትራውያን ዘቖጥዕ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0