ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ፑቲን ናብ ዋዕላ ብሪክስ ከይመጽእ ኣጠንቂቓ

Radio Erena: Monday,24 July 2023

ፕረዚደንት ሩስያ፣ ቭላድሚር ፑቲን፣ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝጋባእ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ ንምስታፍ ናብታ ሃገር እንተመጺኡ፣ ተኣሲሩ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክርከብ ምዃኑ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣጠንቂቑ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ነዚ መጠንቀቕታ ዘመሓላልፍ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ክመጽእ ክገብሮ ንዝጸንሐ ድፍኢት፣ ብቤት ፍርዲ እታ ሃገርን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ደገፍ ድሕሪ ምስኣኑ’ዩ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሪል ራማፎሳ፣ ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን፣ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ብሪክስ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽኣሉ ከይእሰር፣ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ወግዓዊ ሕቶ ምቕራባ ኣቐዲመን መርበባት ዜና ክሕብራ ጸኒሐን’የን።

ብሰንኪ’ቲ ምስ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ክሲ ገበነኛታት ተመስሪትሉ ንዘሎ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእሳር እንተተፈቲኑ ኵናት ከም ምእዋጅ’ዩ ክብል’ውን ፕረዚደንት ራማፎሳ ኣጠንቂቑ’ዩ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ፑቱን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ከምይመጽእ’ዩ ኣንፊቱ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ዋዕላ ‘ብሪክስ’ ንምትእንጋድ እትዳሎ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክመጽኣ ንዝክእል ጸቕጢ ንምውጋድ፣ ናብ ቻይና ንምስግጋሩ ትዘራረብ ከምዘላ’ውን ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ውሳኔ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተጋባእ ዋዕላ ብሪክስ ብኣካል ከምዘይሳየፍ ይግለጽ ኣሎ።

ንብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን፣ ሓሙሽተ ሃገራት ዝኣባላቱ ብሪክስ ልዕሊ 40% ህዝቢ ዓለምና’ዩ ዝሽፍን።

እንተኾነ፣ ሃገራት ብሪክስ፣ ካብ ኣብ ንሓድሕደን ንላዕሊ ምስ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዘለወን ንግዳዊ ልውውጥ ከምዝዓቢ ጸብጻባት ቁጠባ የመልክቱ።

ኢትዮጵያ እትርከበን ኣስታት 40 ሃገራት ኣባላት ብሪክስ ንምዃን ድሌት ከምዘለወን’ዩ ዝግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0