ዜጋታት ሩስያን ግብጽን ጽዒና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጠፊኣ ዝጸንሐት ጃልባ፣ ካብ መጥቃዕቲ ድሒና ናብ ጂቡቲ ከምዝኣተወት ተገሊጹ

Radio Erena: 01 May 2023

ሰለስተ ሩስያውያንን ክልተ ግብጻውያንን ጽዒና፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተሰዊራ ዝጸንሐት ጃልባ፣ ካብ መጥቃዕቲ ድሒና፣ ናብ ጂቡቲ ከምዝኣተወት ሮይተርስ ሓቢሩ።

እታ ናይ መዘናግዒ ምዃና ዝተሓበረት ጃልባ፣ ብ24 ሚያዝያ፣ ካብ ግብጺ፣ ወደባዊት ከተማ ፖርት ስዒድ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ናይ መወዳእታ ዝተራእየትሉ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክሊ ማይ ጂዛን ‘ዩ ኔሩ።

ኣብ ገማግም የመን ጠፊኣ ክትከውን ከምእትኽእል ክግለጽ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ’ዩ፣ መንነቶም ካብ ዘይተፍለጡ ዕጡቓት ካብ ዝተኻየደላ መጥቃዕቲ ድሒና፣ ኣብ ሳልስቱ ናብ ጂቡቲ ከምዝኣተወ ዝሕበር ዘሎ።

ካብ ወገን የመን ካብ ዝተተኮሰላ ጠያይቲ፣ ኣብ ገለ ክፋል እታ ጃልባ ዕንወት ክበጽሕ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ተሳፈርታ ግና ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየለ ኣብ ዱባይ ዝርከብ ወናኒ እታ ጃልባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝካየድ ዝነበረ መጥቃዕታት፣ ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣትሒዙ እናጎደለ ‘ዩ መጺኡ።

እንተኾነ፣ እቲ መብዛሕቱ ካብ ክሊ ማያት የመንን ሶማልን ዝነቐል መጥቃዕታት፣ ሳሕቲ ንናኣሽቱ ጀላቡ ዒላማ ከምዝገብር ጸብጻባት የመልክቱ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0