ዘተ ምስ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ

Radio Erena: 26 February 2021

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ትስፎም ኪዳነ 3 years ago

    ሰላም ኣዳለውቲ መደብ ሬድዮ ኤረና
    ንሕዝቢ እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ኣብ ምጉስጋስን ትገብርዎ ንዘለኹም ኣበርክቶ ኣድናቖተይን ምስጋናይን ክገልጸልኩም እፈቱ።
    ኣብዚ ኣብ ከባቢና ተፈጢሩ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ንህቦን ንሰምዖን ዘሎና ርእይቶታትን ሓሳባትን ብጸይካ’ቲ ቲፎዞ ናይ ሓደ ወገን ኮይንካ ዝግበር ምጽርራፍን ምውንጃልን፥ ዝነኣድ እዩ ክብሃል ይከኣል። እንተኾነ ግን ካብዚ ኩሉ ዝብሃልን ዝንገርን፥ ናይ ሬድዮ ኤረና ጸብጻብን ዝቐርቡ ኣጋይሽ ንኣብነት ንምጥቃስ ከም ይርጋኣለም ፍስሃን ኣቶ ክብሮም ዳፍላን ዝኣመሰሉ ናይ ሕጂን ናይ ርሑቕን ዝጥምቱ ኣጋይሽ ዘድንቖም ኮይኖም ረኺብዮም ክብል እኽእል።

    ኣብዚ ጊዜ’ዚ ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጉዳይ ውግእ ወጺኦም፥ ናብ ናይ ሃገርና ጉዳይ ዘተኩሩ ሰባት ውሑዳት ኢዮም። ኣነ ከኣ ምስ እዚኣቶም እሰማማዕ። ከመይ? እዚ ኩነታት ናይ ጎረቤትና ኣይጸልወናን ዘይኮነስ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብ ረብሓ ሃገርና ከንውዕሎ ዝከኣለሉ መንገዲ ክንፈጥርን ባይታ ከነንጽፍን ስለዝግባእ። ካብዚ ጊዜ’ዚ ዝበልጽ ኣጋጣሚ ከኣ ኣይንረክብን ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ’ውን (ካብ መደባት ሬድዮ ኤረና ወጻኢ) መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ክትግበር ዝኽእልን ከድምዕ ተስፋ ዝግበረሉን ሓሳባት ኣብ ዘተ ክወጽእን ክትግበርን ዝግባእ ከኣ ይመስለኒ።

    ኣብ ሓደ እዋን እተን ኣለዋ ዝብሃላ ብዙሓት ውድባት ኣብ ሓሙሽተ ሰሚረን ክቃለሳ ብዕሊ ኣብ ዝኣወጃሉ ጊዜ ብዙሕ ተስፋ ተገይሩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣድህቦና ወሲዱ ኣብ ምድጋፉን ምንቃፉን ተወሲንና ስራሕ ገዛና ገዲፍና ኣብ እዋናዊ ፍጻሜታት ጥራይ ተወሲንና ኣሎና እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን።
    ዝተፈላለያ ናይ ዩቱብ ቻነላትን ናይ ፈይስቡክ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ፓልቶክን ክንሰምዕ ካብ ንጅምር ኣይወሓድን። ግን ካብቲ ንሰምዖ እንታይ ተማሂርና ወይ እንታይ ከሲብና ኢልና ገምጋም እንተወሰድና ካብ ብሕታዊ ርውየት ሓሊፉ ኣብ ተግባር ዝውዕል ስነ ሓሳብ ኣየፍረናን።
    ኣብ ሃገርናን ከባቢኡን ዝግበር እዋናዊ ዜናታት ወይ ፍጻሜታት ምስማዕ ኣገዳሲ እዩ። ግን ኣብ ክንዲ ኣብ ዜናታት ጥራይ ንውሰን፥ ኣብ ጉዳያትና ክንመያየጥ፥ ኣብ ክንዲ ናይ ዩቱብን ፈይስቡክን ናይ ሳተላይት ቲቪ መስመራትን ኣብ ምብዛሕን መን እንታይ በለ ክንብል ጽን ክንብል ኣብ ክንዲ ምውዓልን፥ ኣብ ጭቡጥን ህልውን ኩነታት ሃገርና ብዕትበት ክንዋሳእን ነዚ ዘሎ ስርዓት ክንቅይረሉ ንኽእል መንገዲ ክንምህዝን ይግባእ። ነዚ ክንገብር ከኣ ሓደ ምእኩል መሪሕነት የድልየና ኣሎ። ሕዝቢ ዝመርሖን ዝኣልዮን ውድብ ክሓልም ካብ ዝጅምር መዋእል ኣቑጺሩ ኣሎ።
    እተን ዘለዋ “ውድባት” ዝብሃላ ፖለቲካዊ መሳርዓት እንተኾና’ውን ኣብ ክንዲ መደባተን ኣወሃሂደን ንሕዝቢ ዘረብሕን ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ኣብ ምእላይን ዘተኮረ መደባት ዝሰርዓ፥ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን መደባት ጥራይ ተወሲነን ይርከባ። እተን ሕዝቢ ክመህራን ከንቅሓን ዝግብአን መራኸቢ ብዙሓንን፥ መስመራት ሳተላይን ቴለቪዥንን እንተኾና’ውን ነቲ ዘውጽእኦ ጸጋታት ኣወሃሂደን ብውዱብ ኣካይዳ ሕዝብን ሰራዊትን ኣብ ምንቃሕ ክነጥፋ ይግባእ ዝብል ሓሳብ ካባይ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ብዙሓት ሰባት ዝቐርብ ዘሎ እዋናዊ ሓሳባት እዩ።
    ኤርትራውያን ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ዝፈጸምዎ ጀግንነት ክንዝክርን ብዘሕለፍናዮ ኮሪዕና ክንጽንብልን ግቡእ እካ እንተኾነ፥ ካብ ኣነነት ወጺእና ታሪኽና ክንዕቅብ እንተድኣ ኮይንና ኣብ ተግባር ክንነጥፍ ግዜ ዝጠልቦ እዋናዊ ጉዳይ ምኻኑ ፈሊጥና ኣእምሮና ከነስፍሕን ካብ ድቃስና ክንበራበርን ሕውነታዊ ለበዋይ የቕርብ።
    የቐንየለይ።
    ተኸታታሊ መደብኩም
    ትስፎም ኪዳነ
    ካብ ካናዳ።