ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን፤ ቀዪዱዎም ዝጸንሐ 25 መራሕቲ ሰላማዊ ሰልፊ ናጻ ሰዲዱዎም

Radio Erena: 24 April 2022

ኣብ ሱዳን ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፤ ቀዪዱዎም ዝጸንሐ 25 መራሕቲ ሰላማዊ ሰልፊ ናጻ ሰዲዱዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ምስ ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዘተ ድሕሪ ምክያዱ፤ ሃገራዊ ዋዕላ ሱዳን ዕዉት ክኸውን፤ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ክወጹ ቃል ተኣትዩ ኔሩ።

እንተኾነ 25 መራሕቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብ22 ሚያዝያ ናጻ ደኣ ይውጽኡ እምበር፤ ብውሑዱ 27 ላዕለዎት መራሕቲ ፖለቲካ ገና ተኣሲሮም ምህላዎም ተፈሊጡ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፤ ፖለቲከኛታት፤ ጸለውቲ ሰባትን ተጣበቕቲ መሰላትን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ክኣስሩ ጸኒሖም እዮም።

ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ኣብ ዓለም ዘለዎ ምስሊ ንምምሕያሽ ዝገብሮ ዘሎ ምውስዋስ ደኣምበር ናይ ፍትሒ ኣመታት ከምዘይብሉ ካብ ዝገልጹዎ ነጥብታት ሓደ፤ ኣገደስቲ ፖለቲከኛታትን የስግኡኒ እዮም ዝበሎም ውልቀሰባትን ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣለዉ ኢሉ።

ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን ናጻ ወጺኦም ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝተዘርገሐ ወረ እውን ሓቅነት የብሉን ኢሉ።

ጀነራል ሓምዳን ዳግሎ ዝተኣስረ ፖለቲከኛ የብልናን ክብል ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ምግላጹ ይዝከር።

 

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0