‘ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማይዓይኒ ብደብዳብ ነፈርቲ ተቐቲሎም።’ UNHCR

Radio Erena: 07 January 2022

ነፈርቲ ውግኢ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ብዘካየድኦ ደብዳብ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብረቡዕ፣ 05 ጥሪ ዝተኻየደ ደብዳብ ካብ ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ እቶም ክልተ ቆልዑ’ዮም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ፍሊፖ ግራንዲ፣ ብሞት እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሰምዖ ጓሂ ምግላጹ፣ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ዝርከቡ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መንጎ’ቲ ብኩሉ ወገን ዝውላዕ ዘሎ ኵናት ተቐርቒሮም ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0