ቻይና፣ ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ክትምዝዝ’ያ

Radio Erena: 07 January 2022

ቻይና፣ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ኩነታት ብቀረባ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ክትምዝዝ ምዃና፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ዋንግ ዪ ኣፍሊጡ።

ንሱ፣ ናይ ኣስመራ ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ናይሮቢ ምስ ኣተወ፣ ምስ ኬንያዊት መዘንኡ ራሸል ኦማሞ ኣብ ዝገበሮ ርክብ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

ሚኒስተር ዋንግ ዪ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሓባራዊ ፖለቲካዊ መረዳእታ ንምህላውን፣ ተግባራት ኣብ ምውህሃድን ዝሕግዝ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዝ ኣገዳስ’ዩ ክብል’ዩ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣስሚርሉ።

ኣብ ናይ ኣስመራ ዑደቱ፣ ኣመሪካ፣ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ከምዘይትድግፍ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፣ መርገጺ ቻይና ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣየነጸረን።

ኬንያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ፣ ምስ ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን ይጽዕራ ካብ ዘለዋ ሒደት ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0