ኬንያ፣ ፕርዚደንት ኡሁሪ ኬንያታ ኣብ ምርጫ ከምዝተዓወተ ይግለጽ

ኬንያ፣ ፕርዚደንት ኡሁሪ ኬንያታ ኣብ ምርጫ ከምዝተዓወተ ይግለጽ

Radio Erena: 09 August 2017

Kenyatta

ኣብ ኬንያ፣ ሰሉስ 8 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ፣ ነዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ደጊሙ ከምዝተዓወተ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ ኢጋንድን ካልኦት ኣካላትን ተዓዘብቶም ዘዋፈርሉ ምርጫ፣ ፕረዚደንት ኡሁሩ 54 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ ክዕወት እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረ ህቡብ ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ድማ 44 ሚእታዊት ከምዝረኸበ’ዩ ዝሕበር።

ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝተኻየደ ምርጫ ኬንያ ሸሞንተ ሕጹያት ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሰልፍታት’ዮን ንፕረዚደንት ተወዳዲሮም።

ደገፍቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ብፍላይ ድማ ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ፣ ኣንጻር ውጻኢት እቲ ምርጫ ቁጥዕኦም ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊን ናዕብን ከየካይዱ ካብ ምስጋእ ኣብ ሓያሎ ከተማታት እታ ሃገር ፖሊስን ኣባላት ጸጥታ ብብዝሒ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ይሕብራ።

==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0