ካናዳ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ምንቅስቓስ ይኣክል ንምሕያሉ ይውደቡ

Radio Erena: 07 August 2019

ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ንምንቅስቓስ ይኣክል ብዝሓየለ ምልክዕ ንምቕጻሉ፣ ሓድሽ ውዳበታት ኣካይዶም።

እቶም ካብ 12 ከተማታት ዝተኣኻኻቡ ኤርትራውያን፣ ብ3 ነሓሰ ኣብ ቶሮንቶ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ነቲ ብውልቂን ብከተማታትን ጥራይ ተወዲቡ ክካየድ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ብደረጃ ሃገረ-ካናዳ ዝጥርንፍ ዕማም ኣብ ምድላው’ውን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ኣርእስታትን ዘትዮም።

ኣብቲ “ንሓርነት ብሓርነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ኣኼባ ኤርትራውያን፣ ህዝባዊ ምንቕስቓስ ይኣክል፣ ብዓይነቱን ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነቱን ዝዓበየ ኣብያ ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ ብምዃኑ፣ “ጽላል ይኣክል ካናዳ” ክምስርቱ ከምዝወሰኑ ዝዘርግሕዎ መግለጺ የነጽር።

ጽላል ይኣክል ካናዳ፣ ወከልተን ዝመረጻ 12 ከተማታት ከምዝሓቖፈ ብምንጻር፣ ብፌስቲቫል ቶሮንቶ ዝፍለጥ ዝነበረ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ብፌስቲቫል ካናዳ ክዳሎ’ውን ወሲኑ።

ነቲ ጽላል ብዘሐይል መልክዑ ድማ ቅርጻዊ ውዳቤታት ተጻፊፉ፣ ብዓቕሚ ሰብን ባጀታን ክሳብ እትሕይል፣ ብግዝያውነት ንኣርባዕተ ኣዋርሕ እተገልግል፣ መሰጋገሪት ሓይሊ ዕማም ከምዝቖመት መግለጺ ኣኼባ ኤርትራውያን ነበርቲ ካናዳ ኣፍሊጡ።

ስእሊ፣- ካብ ፌይስቡክ
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Simon 5 years ago

    Good Job!