ካብ ጂቡቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መርከብ መጥቃዕቲ ተኻይዱላ

RADIO ERENA – Tuesday, 30 April 2024

ሑቲ፣ ካብ ጂቡቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተመርሕ ንዝነበረት ናይ ጽዕነት መርከብ ብሰኑይ 29 ሚያዝያ ከምዘጥቅዐ ተገሊጹ።

እታ ናይ ማልታ ባንዴራ ተንበልብል ዝነበረት መርከብ፣ ካብ ሑቲ ሚሳይላት ዝተወንጨፈላ፣ ኣብ እስራኤል ምስ ዝርከብ ኩባንያ ውን ከምእትሰርሕ ስለዝተፈልጠት ምዃኑ መርበባት ዜና ጠቒሰን።

ሑቲ፣ ብዛዕባ እቲ ኣካይድዎ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት መግለጺ ኣይሃበሉን።

ኣብታ መርከብ ይኹን ሰራሕተኛታታ ዝወረደ ጉድኣት እንተሎ ዛጊት ኣይተሓበረን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0