4 ግንቦት ኣብ ዝጅምር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክስለፉ’ዮም

RADIO ERENA – Tuesday, 30 April 2024

ቀዳም 4 ግንቦት ካብ ከተማ ቶሪኖ ተበጊሱ፡ ሰንበት 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ኣብ ዝዛዘም ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ 2024፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ክወዳደርዮም።

ኣብዚ ቅድድም፣ 18 ዎርልድ ቱር ቲምን፡ 4 ፕሮቲምን፡ ብሓፈሻ 22 ክለባት ዝወከሉ 176 ተቐዳደምቲ ንውድድር ዝቐርቡ ኮይኖም፣ ካብዚኣቶም እቶም ሰለስተ ኤርትራውያንዮም።

ንሳቶም፣ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም Lidl – Trekኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ፡ ኣባል ካዛኪስታናዊት ዎርልድ ቱር ቲም Astana ሄኖክ ሙሉብርሃንንዮም።

ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ብሓፈሻ ንመበል 8ይ ግዚኡ ዝካፈል ዘሎ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ንሓሙሻይ እዋኑ እዩ ዝወፍር ዘሎ።

ሓንሳብ ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝጐየየ ቢንያም ግርማይ ብወገኑ፣ ሎሚ ንሳልሳይ እዋን ኣብ ቅድድም ግራንድ ቱር ክኣቱ እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጂሮ ዝተቐዳደመ ሄኖክ ሙሉብርሃን ድማ፡ ኣብ ግራንድ ቱር ይኹን ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ሕጂ ንኻልኣይ ግዜ እዩ ክወዳደር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0