ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ዘለዉ እሱራት ኣብ ደሴት ዳህላክ ይእሰሩ ምህላዎም ተሓቢሩ

Radio Erena: 19 January 2021

ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ 10ታት እሱራት፣ ኣብ ደሴት ዳህላክ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም መንነቶም ብዝርዝር ዘይተፈልጠ እሱራት፣ ኣብ ዳህላክ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃንጸ፣ ድጓናታት ከምዝተወስዱ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣቐዲሙ ብዝተፈላለየ ክሲን ጠቐነን ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ዝእሰርሉ ምንባሩ ኣገንዚቦም።

እቲ ኣብ ዳህላክ፣ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ፣ ካብ 200 እሱራት ንላዕሊ ክሕዝ ከምዘይክእል’ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

መንነቶም ዘይተፈልጡ እሱራት፣ ብነፈራቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን፣ መካይንን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምምጽኦም፣ ናበይ ከምዝተወስዱ ክፍለጥ ኣይጸንሐን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============