ካብ መነባብርኡ ናይ ዝመተዛበለ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ልዕሊ 100 ሚልዮን በጺሑ

Radio Erena: 20 June 2022

ብደረጃ ዓለም፣ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ ይነብር ከምዘሎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብምኽንያት 20 ሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ብዝሒ ካብ መነበባርኡ ናይ ዝተመዛበለ ህዝቢ ምስ ናይ 2020 ክነጻጸር እንከሎ ብ20%’ዩ ዛይዱ።

ካብዚ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝተመዛበለ ይኹን ዶባት ሰጊሩ ኣብ ጎረባብትን ካልኦት ሃገራትን ዑቕባ ዝሓተተ ጠቕላላ ብዝሒ፣ እተን ኣስታት ፍርቂ ወይ 50% ደቂንስትዮ’የን።

እቲ ኣስታት 26 ሚልዮን ህዝቢ፣ ካብ ገዛእ ሃገሩ ተፈናቒሉ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ዝሓተተ ምዃኑ ጸብጻብ UNHCR የነጽር።

ናይ ሎሚ ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት፣ መን? ኣበይ? መዓስ? በዘየገድስ፣ ኩሉ ሰብ ብውሕስነት ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ ብዝብል ቴማ’ዩ ዝዝከር ዘሎ።

 

ስእሊ፣- ብሰንኪ ኵናት ካብ መነባብሮም ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0