ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዝቐጸለ ናይ ብሄር ግጭት ብውሕዱ 200 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 21 June 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ዞባ ምዕራብ ወለጋ፣ ጊምቢ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 200 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣረጋጊጸን።

ኣብቲ ግጭት፣ ሓያሎ ኣባይቲ ክቃጸል እንከሎ፣ ዋጋኡ ዘይተገመተ ብዙሕ ንብረት’ውን ከምዝዓነወ ተፈሊጡ።

መብዛሕቶም እቶም ዝተቐተሉ፣ ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ሰለማውያን ነበርቲ እቲ ከባቢ ምዃኖም’ዩ ዝጥቀስ ዘሎ።

ሰበ ሰልጣን ናይቲ ክልል፣ ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ ኣካል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ- ኦነገ ሸኔ’ዩ ክብሉ ክወቕሱ እንከለዉ፣ እቲ ግንባር ብኣንጻሩ፣ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ስዕረት ዝወረዶም ሓይልታት መንግስቲ ከምዝፈጸምዎ ገሊጹ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ኦነግ ሸኔ ከምዝፈጸሞ ብምእማት፣ ኣብቲ ዞባ ተወሳኺ ግጭታት ከይውላዕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሓይሊ ከዋፍር ጸዊዑ።

ድሕሪ’ቲ ግጭት፣ ሰራዊት መንግስቲ ናብቲ ከባቢ ከምዝተዋፈረ እኳ እንተተገልጸ፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣንጸላልዩ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ገና ኣሻቓሊ ከምዘሎ ነበርቲ እቲ ዞባ ንማዕከናት ዜና ኣመልኪቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ምስ ዕጡቓት ጋምቤላ ብምውህሃድ፣ ንርእሰ ከተማ ናይ ክልል ጋምቤላ ንምቁጽጻር ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ’ዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ሕግን ስርዓትን ናይ ምኽባር ወፍሪ ከካይድ ከምዝወርሐ ዝገልጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ክልላት ጋምቤላን ኦሮሞን ህይወት ኣማኢት ሰባት ዘጥፍአ ግጭታት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0