Radio Erena: 13 May 2020
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ብቀዳም 9 ግንቦት፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፣ ኣብ ኣስመራ ኣዳራሽ ደንደን ኣኼባ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።
እቲ ኩሎም ኣባላቱ ከምዘይተረኽቡ ዝተሓበረ ካቢኔ፣ ኣብቲ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣኼብኡ ዝዘተየሎም ነጥብታት ይኹን ብዛዕባ ምእካቡ ብመነገዲ ማዕከናት ዜና መንግስቲ እኳ እንተዘይተቓልሐ፣ ኣብ ዝመጽእ’ውን ተወሳኺ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ’ዩ ዘነጽር እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።
ህዝቢ፣ ካብ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ዝጽበዮ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ መራሕትን ሚኒስተራትን ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንህዝብታቶም ኣብ ዘረጋግእሉን ድሕሪ ኮረና ቫይረስ ንዝህሉ መደባትን ድማ ብዝርዝር ኣብ ዝገልጽሉ እዋንግና ካቢኔ ሚኒስተራር ኤርትራ ይኹን እታ ብቀንዱ እዚ ዝሎ ኩነታት ብቀጥታ ዝምልከታ ሚኒስተር ጥዕና ደሃዮም ምጥፍኡ፣ መቀጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዘጉልሕ ምዃኑ’ዩ ዝትንተን።
ብኣንጻር እዚ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብጉልባብ ዘተ ኣብ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ምክልኻል ወራር ዕስለ ኣንበጣን፣ ብ3ን 4 ግንቦት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምክያድ፣ ፕሮጀክታት ማይ ክልል ኦሮሞ ክምርቕን መደረታት ከስምዕን’ዩ ተርእዩ።
======================