ካቢኔ ሚኒስተራት ሱዳን፣ ብመሰጋገሪ ቆንስል ዝቐረበ እማመ ብወግዒ ነጺጉ

Radio Erena: 06 December 2020

ካቢኔ ሚኒስተራት ሱዳን፣ ነቲ ብመሰጋገሪ ቆንስል ዝቐረበ እማመ ብወግዒ ከምዝነጸጎ ኣፍሊጡ።
እቲ ብኣልቡርሃን ዝቐረበ እማመ፣ ብሓሙስ 3 ታሕሳስ ልሒኹ ምስ ወጸ፣ ኣብታ ሃገር መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ድሕሪ ምቕናይ እዩ፣ ካቢኔ ሚኒስተራት ትማሊ ብወግዒ ከምዝነጸጎ ዘፍልጥ ዘሎ።
ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ሱዳን ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ትንታነ፣ ዓብላሊ ሓይሊ ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ምምሕዳር’ቲ መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ስልጣን ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻር ባይታ የጣጥሕ ኣሎ ክብሉ ይነቕፉ።
እቲ ከም መመሓዳደሪ ሕጊ ኮይኑ ክቐርብ ዝድለ ዘሎ ንዝምድና’ተን ልፍንቲ መስሪተን ዘለዋ ማሕበራትን ወተሃደራዊ እዚን፣ ንመሰል ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝገፍፍ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ንውልቀ ምልኪ ዝዕድም’ውን ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
በዚ ዝረአ ዘሎ ምቅይያራት ምምሕዳራዊ ቅጥዕታትን ሕጋጋትን ዘይዕጋበቶም ዝገልጹ ዘለዉ ተቐማጦ ከተማ ካርቱም ብወገኖም፣ ደም ዝኸፈልናሉ ህዝባዊ ለውጢ፣ በቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ተጨውዩ ክብሉ ምረቶም ይገልጹ ኣለዉ።

==============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0