ኮሚሽነር ሰብኣዊ ቅልውላው ሕ.ኤ. ኣብ ትግራይ ብናጻ ኣካል መርመራ ክግበር ጸዊዑ

Radio Erena: 06 December 2020

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኮሚሽነር ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድን ዝቐርብ ዘሎ ንገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝምልከት ጥርዓናትን፣ ብናጻ ትካል ህጹጽ መርመራ ክካየደሉ ጸዊዑ።
ያነዝ ለናርሺሽ ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምብጽሑ ብ4 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብክልቲኦም ወገናት ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ዝሕተተሉ ወገን ንምፍላጥ፣ ናጻ መርመራ ክግበር ኣለዎ ኢሉ።
ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ፣ ብፍላይ ከኣ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዞባታት ዝርከባ ዓድታት ዝተፈጸሙ ከበድቲ ገበናት፣ ንሓድሕዶም እዮም ዝወቓቐሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0