Radio Erena: 07 September 2020
ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዕደና ተዋፊሩ ዝርከብ ኩባንያ ቢሻ፣ ትሽዓተ ተወሰኽቲ ዓበይቲ ናይ ህንጻ መካይን ካብ ቻይና ሸሚቱ።
እቲ ንተን ሳኒ ዝተባህላ፣ ኣብ ግዙፍ ዕደናን ህንጻን ዝዋፈራ መካይን ዘፍሪ ኩባንያ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ መካይን ኣብ መጀመርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት እዚ እኳ እንተተኣዘዛ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ዝተመደበለን ግዜ ናብ ኤርትራ ክበጽሓ ከምዘይክኣለ ጠቒሱ።
እንተኾነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብመንገዲ ወደብ ባጽዕ ከእትወን ድሕሪ ምኽኣሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ቻይናውያን ክኢላታት ኣብ ቢሻ ከምዘለዋ ኣረጋጊጹ።
ኩባንያ ሳኒ፣ ብዘይካ ንኤርትራ፣ ንኢንዶነዥያውን ተመሳሰልቲ ናይ ዕደናን ህንጻን መካይን ከምዝሸጠላ ጠቒሱ ኣሎ።
ኩባንያ ዕደና ቢሻ፣ ዋንነቱ 60% ካናዳ ናይ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ክኸውን እንከሎ፣ 40% ድማ ናይ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ።
ኣብ ቢሻ፣ ወርቂ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ኮፐርን ዚንጎን ዝኣመሰለ ማዕድናት ይፈሪ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ዳንካልያ ፖታሽ ንምዕዳን ዘድሊ ህንጻታት ንምቛም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከምዘሎ እቲ ነቲ ፕሮጀክት ሒዙ ዘሎ ትካል ኣቃሊሑ’ዩ።
ኣብ ኤርትራ፣ ሓያሎ ኩባንያታት ግዙፍ ዕደና ኣብ ምክያድ እኳ እንተለዋ፣ ንኣታዊታቱ ይኹን ዘንቀሳቕሶ ባጀት፣ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ሓቢኡ ብምስጢር ከምዝሰርሓሉ ይፍለጥ።
===============