ከሰላ፣ “ናብ ኢትዮጵያ ክሰግር ዝሓሰበ’ዩ” ዝተባህለ ኣጽዋር ከምዝተታሕዘ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 December 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ፣ ሞርታራት ዝርከቦ ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ከምዝተታሕዘ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን-ሱና ሓቢሩ።

ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን፣ ኣብቲ ዞባ ብዘካየዶ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ነቲ ኣጽዋር ክሕዞ ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተታሕዘ ኣጽዋር፣ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግር ዝተሓሰብ ምዃኑ’ዩ ተገሚቱ።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሃደሙ ልዕሊ 43 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣዕቝቡ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብቲ ምስ ኢትዮዮጵያ ዘዳውቦ ከባቢታት ጽኑዕ ጸጥታዊ ቁጽጽር ይገብር ምህላዉ ይገልጽ።

==============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0