ሶማል፣ ንኣምባሳደር ኬንያ ሰጕጓ

Radio Erena: 01 December 2020

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣምባሳደሩ ክስሕብ እንከሎ፣ ንኣምባሳደር ኬንያ ድማ ናብ ሃገሩ ከምዘፋነዎ ኣፍሊጡ።

ፈደርላዊ መንግስቲ ሶማል ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ፣ ግብር መልሲ ናይቲ መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ምእታዉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኬንያ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣብ ዝካየድ ዞባዊ ምርጫ ጁባላንድ ኢዳ ስለዝሓወሰ፣ እቲ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ መሓመድ ዓሊ ኑር ኣረጋጊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኬንያ፣ ንሉኣላውነትንን ጸጥታን ሶማል ክትግህስ መንግስቲ ሶማል ከምዘይቅበሎ ኣነጺሩ።

ሶማልን ኬንያን ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቁርቁስ ክኣትዋ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት’ውን ክልቲኤን ሃገራት ኣምባሳደራት ኣብ ምስጓግን ካልእ ዲፕሎማስያዊ ህልኻትን ተጸሚደን ኔረን’የን።

እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዶባተን ዘሎ ዘይውሑስ ጽጥታን ኣልሸባብ ዝፍጽሞ ተደጋጋሚ መጥቃዕታትን ሓድሕደን ይወናጀላ’የን።

ኣብ ርእሲኡ ድማ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብዝርከብ ዋንነት ክሊ ማይ ኣብ ምስሕሓብ’የን ዝርከባ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0