እስራኤል፣ ኣፍደገታት ሰብኣዊ ረድኤት ክትከፍት ተሰማሚዓ

RADIO ERENA – Friday, 05 April 2024

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ሰለስተ ኣፍደገታት ሰብኣዊ ረድኤት ክኽፈቱ ተሰማሚዖም።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክፉት ዘይነበረ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ዝርከብ መሳገሪ ኤረዝ ክኽፈት እዩ።

ወደብ ኣሽዶድ ንሰብኣዊ ሓገዛት ክኽፈት ምዃኑን፣ ካብ ዮርዳኖስ ዝመጻ ናይ ረድኤት መካይን ብመሳገሪ ዶብ ከረም ሻሎም ኣቢለን ናብ ጋዛ ክኣትዋ ክፍቀደለን እዩ።

ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ቲሌፎን ዝርርብ ፕረዚደንት ኣመርካ ኣብ ጋዛ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝቐተለ መጥቃዕቲ እስራኤል ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋድድ ምኹኑ ብምግላጽ ብትሪ ኮኒኑ።

ትማሊ ሶኑይ ሓደ ኣመሪካዊ መንእሰይ ዝርከቦም ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብሰራዊት እስራኤል ከምዝተፈጸመ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ጋዛ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ጋዛ ሓገዝ መግቢ ንምብጻሕ ዝሰርሕ ዝነበረ ትካል ግብረ ሰናይ ዓለማዊ ማእከላይ ክሽነ ማለትWorld Central Kitchen እዩ ኔሩ።

ሰበስልጣን እስራኤል እቲ መጥቃዕቲ ብዘይፍላጥ ዝተፈጸመን ጌጋ ምዃኑን ገሊጾም ኔሮም።

=============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0