Radio Erena: Monday, 14 August 2023
እስራኤል፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምድሓኖም፣ ናይ ኣይሁድ መበቆል ኣለዎም ዝተባህሉ ኣስታት 200 ኢትዮጵያውያን ከምዘውጽአት ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቶም 174 ኢትዮጵያውያን ካብ ጎንደር እቶም 30 ድማ ካብ ባህርዳር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምእካብ፣ ናብ እስራኤል የግዕዞም ምህላዉ ኣነጺሩ።
ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምርዳእ ነቲ ናይ ምውጻእ ስርሒት የካይድ ከምዘሎ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ በይናይሚን ናታንያሁ፣ እስራኤል ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለም ንዝርከቡ ዜጋታታ ከምእትከታተል ሓቢሩ።
ብሰንኪ’ዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወልዕ ግጭት፣ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ከምዝርከቡ መርበባት ዜና እታ ሃገር የመልክታ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝቐጸለ ኵናት ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን፣ ብተዛማዲ ሃዲእሉ ኣብ ዘሎ፣ ኣብቲ ክልል ተኣዊጁ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ክሓጽር ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ውድባትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገርን ይጽውዑ ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ፈተነ ዕልዋ ክልላዊ መንግስትን ፈደራልን ዝወቐሱ መጥቃዕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ደው ንምባል፣ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ክሳብ ዝዛዘም ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምህላዉ ይፍለጥ።
ዝበዝሓ ከተማታት ክልል ኣምሓራ፣ ካብ ሚሊሻታትን ዕጡቓት ፋኖን ሓራ ኮይነን ምህላወን መንግስቲ ኢትዮጵያ እኳ እንተገለጸ፣ ህዝባዊን ማሕበራውን ኣገልግሎታት ብስሩዕ ከምዘይጀመረ ይጥቀስ።
========================
COMMENTS