ኤውሮጳ፣ ስግኣታት ሓደጋ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ

Radio Erena: THURSDAY, 07 December 2023

ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ይልቫ ጆሃንሰን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኲናት እስራኤልን ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስን ዘስዓቦ፣ ኣብ ቅነ በዓላት ልደት ኣብ ኤውሮጳ ግበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከየጋጥም ተሰጊኡ ከም ዘሎ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ሓያሎ ርእሰ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንፍልስጤም ዝድግፉ ሰልፍታት ኣካይዶም፡ ብኻልእ ወገን ንእስራኤል ንምድጋፍን ኣንጻር እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸረሴማውነትን እውን ሰልፊ ተኻይዱ።

እዚ መጠንቀቕታ ዝወጸ፣ ሓደ ወዲ 15 ዓመት ህጻንን ሓደ ተሓባባሪ እዩ ዝተባህለን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ልደት፣ ንእሽቶ ናይ ጽዕነት መኪና ንምፍንጃር ውዲት ብምፍጻም ከምዝተኸሰሱ ክፍለጥ እንከሎ ብኻልእ ወገን ውን ኣብ ፈረንሳ ፓሪስ፣ ኣብ ጥቓ ግምቢ ኤፍል ኣብ መወዳእታ ሰሙን ንዝተፈጸመ ሓደ በጻሒ ዝቐተለን ክልተ ድማ ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ከም ኣብነት ብምውሳድ`ዩ።

ይልቫ ብጋዜጠኛታት ተሓቲታ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ፣ ኣብ ገለ ካብተን 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዘሎ ስግኣታት ጸጥታን፣ ጸብጻባት ጸረሴማውነት፣ ከምኡ’ውን ብኢንተርነት ዝዝርጋሕ ዘሎ ናይ ጽልኢ ዘረባን ኣኽራሪ ትሕዝቶን መሰረት ብምግባር ነቲ ናይ ስግኣት መደምደምታ ከምዝተበጽሐ ገሊጻ።

እዚ ኩሉ ተራእዩ፣ እወ እቲ ስግኣት ርኡይ እዩ ዘሎድማ ትብል።

ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ተኣፈፍቲ ከባቢታት ብፍላይ ድማ ኣብ ቦታታት ኣምልኾ ጸጥታ ንምውሓስ ተወሳኺ 30 ሚልዮን ዩሮ (32.5 ሚልዮን ዶላር) ክህብ ምዃኑ ገሊጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0