ኤርትራ ካብ ሩስያ ክልተ ወትሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ሸሚታ

Radio Erena: 21 January 2020

ኤርትራ፣ ካብ ሩስያ ክልተ ወትሃደራውያን ሄሊኮፕተራት ከምዝሸመተት ማዕከን ዜና ስፑትኒክ ሓቢሩ።

እተን ኣንሳት ዝዓይነተን ሄሊኮፕተራት፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይዚ ዓመት ናብ ኤርትራ ክበጽሓ ምዃነን እቲ ናይ ሩስያ ምንጪ ጠቒሱ።

እተን ሄሊኮፕተራት፣ ፈከስቲ ወትሃደራዊ ንብረትን ክሳብ ትሽዓተ ሰባትን ከጎዓዕዛ ዝኽእላ’የን።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፣ ኣብ ሶቺ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ኤርትራ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ናይ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ሄሊኮፕተራት፣ ነፈርቲ ውግእን ካልእ ኣጽዋርን ንምሽማት ስምምዕ ከምዝኸተማ ኣብ ግዜኡ ተገሊጹ’ዩ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================