ምንቅስቓስ ይኣክል ስዊዘርላንድ፣ ብደረጃ ሃገር ቆይሙ

Radio Erena: 21 January 2020

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ በብዞባኡ ወይ ካንቶናታት ጥራይ ተጠርኒፉ ክነጥፍ ዝጸንሐ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ብደረጃ ሃገር ከምዝተጠርነፈ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብ18 ጥሪ ኣብ ከተማ ፍሪቦርግ ኣብ ዘካየዶ መስራቲ ጉባኤ ምንቅስቓስ ይኣክል ስዊዘርላንድ፣ ንዝተፈላለየ ዕማታት ዘገልግሉ ወከልቱ’ውን መሪጹ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ በብዘለውዎ ሃገራትን ከተማታትን እናተወደቡ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ከብቅዕን፣ ደሞክራሲ ክትከልን ዝጽውዕ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ይኣክል የካይዱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0