Radio Erena: 06 February 2020
ኤርትራ ኣብ እትርከበን 27 ሃገራት፣ ክሽቦ ደቂንስትዮ ብዝልዓለ ቁጽሪ ይቕጽሎ ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።
ብደረጃ ዓለም፣ ብሰንኪ ክሽቦ ደቂንስትዮ ንዝስዕብ ዘሎ ጥዕናዊ ጸገማት ንምፍዋስ 1.4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ይካየድ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ውድብ፣ ኣብ ገሊኤን ሃገራት 30% ናይቲ ንሕክምና ዝምድብኦ ባጀት ከምዝሽፍን ኣተሓሳሲቡ።
ብፍላይ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ኣብ ድኽነት ዝርከባ 27 ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጥዕናዊ ጸገማት ደቂንስትዮን ንምፍዋሱ ዝግበር ወጻኢታትን ምስ ክሽቦ ደቂንስትዮ ዝተተሓሓዘ’ዩ።
መብዛሕተን ደቂንስትዮ ካብ ህጻንነተን ክሳብ 15 ዓመት ዕድሚኤን ኣብ ዘሎ ግዜ’የን ዝኽንሸባ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ሚልዮናት ደቂንስትዮ ግዳያት ከም ረኽሲ፣ ፊስቱላ ኣብ ግዜ ወሊድን ካልእን ዝኣመሰለ ከቢድ ኣካላዊ ቃንዛን ስነ ኣምእሮኣዊ በሰላታትን ይኾና።
ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ውድብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 30 ሃገራት ዝርከባ ልዕሊ 200 ሚልዮን ደቂንስትዮ ግዳያት ክሽቦ ዝኾና’የን።
ነዚ ብስም ባህልን ሃይማኖትን ተሳቢቡ ኣብ ልዕሊ ደቂስትዮ ዝፍጸም ከቢድ ገበናት ደው ንምባሉ፣ “ዜሮ ተጻዋርነት ንኽሽቦ ደቂንስትዮ” ብዝብል ቴማ ዓመታዊ ኣብ 6 ለካቲት ይካየድ።
ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=====================