ኣምባሳደራት ሕ/ኤ፣ በቲ ሕብረት መዊሉ ዝህጸን ዘሎ ንወደብ ባጽዕ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ጽርግያ ዑደት ኣካይዶም

Radio Erena: 06 February 2020

ኣምባሳደራት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ፣ ብሕብረት ኤውሮጳ ተመዊሉ ንዝህንጸ ዘሎ፣ ንወደብ ባጽዕ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ዑደት ኣካይዶም።

ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፣ ወከልቲ ሃገራት እቲ ሕብረትን ብሪጣንያን፣ ብ4 ለካቲት፣ ኣብ ገለ ክፋል እቲ ዝህነጽ ዘሎ ጽርግያ ነፋሲት – ደቀምሓረ ድሕሪ ምብጽሖም ብምጥቃስ፣ በቲ ምወላ ዝተዓደጋ 26 ዓበይቲ ናይ ህንጻ ማሺነሪታት ናብ ዝርከባሉ ቦታ ተዓዚቦም።

ብምወላ እቲ ሕብረት ዝተዓደጋ ተወሰኽቲ ናይ ህንጻ ማሺነሪታት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ኤርትራ ክኣትዋ ምዃነን’ውን እቲ ሓበሬታ ተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ርክብ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ተስፋ ሰላም እቲ ዞባ ዝርኣዮ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብ ወደብ ባጽዕ ናብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ ጽርግያ ንምህናጽ 20 ሚልዮን ኤውሮ ከምዝለገሰ ዝዝከር’ዩ።

እንተኾነ፣ ድሕሪ’ውን ብወግዒ ብዘይተገልጸ፣ ኣስታት 90 ሚልዮን ኤውሮ ተወሳኺ ሓገዝ ምብርካቱ’ዩ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ንዝህነጸ ዘሎ ጽርግያ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግልት ንዝሓዘኦም መንእሰያት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ኣዋፊሮም ከምዘሎ ሓያሎ ኣባላት እቲ ሕብረትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ይወቕሱ።

ስእሊ፣- ካብ መርበብ ሓበሬታ ወኪል ሕ/ኤ ኣብ ኤርትራ

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0