ኤርትራ ብሓደጋ ተሽከርከርቲ ምስተን ቀዳሞት ትስራዕ

Radio Erena: December 26, 2013

 

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሀ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ዝርኣየለን ሃገራት ምዃና ንኣህጉራዊ መጽናዕታት ብምጥቓስ ታይላንድ ቢዝነስ ዝተባሃለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ኤርትራ ብ48.4 ሚእታዊት እታ ዝበዝሐ ሓደጋ ተሽከርከርቲ ርኣየላ ሃገር ኮይና ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ድማ ብ 40.5 ሚእታዊት ሊብያ’ያ።

 

ኣብ ንኤርትራን ሊብያን ተኸቲላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ታይላንድ ድማ ብዝሒ ሓደጋ ተሽከርከርቲ እታ ሃገር 38.ት ሚእታዊት’ዩ።

እቲ ዝገርም፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ ብዝሒ ተሽከርከርቲ ዘለወን ሃገራት ክነሳ፣ ብዝሒ ሓደጋታት ዘጋጥመላ ምዃና’ዩ።

ጠንቒ ሓደጋ ተሽከርከርቲ፣ ብቐንዱ መስቲ ሰቲኻ መኪና ምዝዋርን ሕግታት ትራፊክ ዘይምኽባርን ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሕግታት ትራፊክ ዝጠሓሱን ሓደጋ ንዝፈጸሙን ዝውሰድ ሕጋዊ ስጉምቲ’ውን ስማዊ ጥራይ ብምዃኑ ሓደጋ ንምንካይ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ ኣብ ማዕከን ዜና መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ብቀጻሊ ዘቕርቦ መረረ’ዩ።

============================================