ኤርትራ መበቆል ዘለዋ ነርስ ኣብ ብሪጣንያ፣ ህይወት ንምድሓን ብዝገበረቶ ቃልሲ ዝልዓለ ክብሪ ሞያ ጥዕና ተሸሊማ

Radio Erena: 21 October 2021

ኤርትራ ዝመበቆላ፣ ምብራቕ ገብረህይወት፣ ኣብ ብሪጣንያ ብእትሰርሓሉ ሞያ ነርስ፣ ህይወት ንምድሓን ብዝገበረቶ ሓያል ጻዕሪ፣ ዝልዓለ ክብሪ ሞያ ጥዕና፣ ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ቦሪስ ጀንሰን ተሸሊማ።

እዛ ጓል 45 ዓመት ኤርትራዊት-ብሪጣንያዊት፣ ጓል 14 ዓመት እንከላ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተወት ዝሓበራ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ሞያ ነርስ ተዋፊራ፣ ብዘይንቡር ኣመጋግባ ንዝሳቐዩ ሕሙማን ኣብ ምእላይን ምክብኻብን ብዝርኣየቶ ሓያል ጻዕሪ’ያ ‘ጅግና’ ተባሂላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፣ ቦሪስ የንሰን፣ ንምብራቕን ንካልኦት በብሞያኦም ሓያል ጻዕሪ ንዘካየዱ ነርሳትን፣ ነቲ ሽልማት ኣብ ዝዓደለሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ “ህይወተይ ኣድሒንኩምን መላእ ሃገር ብእግራ ደው ንኽትብል ጽዒርኩም” ኢኹም ክብል ኣመስጊንዎም።

እዚ ዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ፣ ንብሪጣንያ ዘሕዝንን ኣድካምን ግዜ ምንባሩ ዝጠቐሰ ቦሪስ ጀንሰን፣ ንተሸለምቲ ብስም መንግስቲ ደጊሙ ብምምስጋን እንቋዕ ሓጎሰኩም ኢሉ።

እዚ ብ ‘ጀጋኑ ሰብ ሞያ ጥዕና ደይሊ መይል’ ዝፍለጥ ሽልማት፣ ካብ 2013 ኣትሒዙ ዝጀመረን ብኢንተርነት ንግዲ ዘካይድ ግዙፍ ትካል ‘ኢበይ’ ዝተመወለን ኮይኑ፣ ኣብ ሞያኦም ዕዉት ስራሕ ንዘካየዱ ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝወሃብ’ዩ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Wawww wonderful News my sister you are great