ሆላንድ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ንዝኽሰስ ኤርትራዊ፣ ኣብ መዝገብ ብዝልዓለ ገበን ዝህደኑ ኣስፊራቶ

Radio Erena: 21 October 2021

ኣኽባር ሕጊ ሆላንድ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ግኑን ስም ንዘለዎ፣ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ኣብ መዝገብ ብዝልዓለ ገበን ዝህደኑ ሰባት ኣስፊርዎ።

ወዲ 37 ዓመት ምዃኑ ዝተገልጸ ኪዳነ፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ካብ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ርእሲ ምስግጋሩ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሞት ኣማኢት ስደተኛታትን ካልእ ገበናት’ውን ተኸሲሱ ይርከብ።

እቲ ክሱሱ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዙ፣ ጉዳዩ መርመራ ይካየደሉ እኳ እንተነበረ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ሓደ ረፍዲ ሃዲሙ ዛጊት ተሰዊሩ ኣሎ።

ስበ ስልጣን ሆላንድ፣ ነዚ ‘ሓደ ካብ ዕሉላት ገበነኛታት’ዩ ኢሎም ዝጠቐስዎ ኤርትራዊ ንምሓዙ ምስ ኢጣልያን ካልኦት መንግስታትን ብምትሕብባር ይሰርሑ ምህላዎም፣ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0