ኤርትራ፣ ኮቪድ 19 ንምግታእ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ትካላት ንግዲ ይኽፈት ኣሎ

Radio Erena: 24 February 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ሓያሎ ትካላት ንግዲ ይኽፈት ኣሎ።

ኣብያተ መግቢ፣ ኣብያተ ሻሂን ባራትን ግና ዛጊት ክኽፈት ኣይተወሰነን።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ዝወጸ መምርሒታት እናተፋኾሰ ይመጽእ እኳ እንተሎ፣ ህዝባዊ መጓዓዝያ’ውን ኣይጀመረን።

ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብ ዘይህሉ ኣስታት 10 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ ህዝቢ ብብሽክለታን ዓረብያ ፈረስን ክንቀሳቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኤርትራ፣ ካብ ኢዳ ናብ ኣፋ ዝኾነ ቁጠባ ስለዘለዋ፣ ብለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝተጸልወ ቁጠባ ከምዘይብላ’ዩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ገሊጹ።

ይኹን’ምበር፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ፣ ትካላት ንግዲ ብምዕጻወንን ንጥፈታት ህዝቢ ድማ ደው ድሕሪ ምባሉን፣ ኣሽሓት ስድራቤታት፣ ብከቢድ ተጸልየን’የን።

===============

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0