ኤርትራ፣ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ

Radio Erena: 03 March 2020

ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ሰሪቱ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ ኣብ ጀኔቫ ዝተጋብአ፣ መበል 43 ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት፣ ሚሸል ባሸለት፣ ነቲ ብውሳኔ 41/1 ዝፍለጥ ጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪታ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓምለ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ከቲሙ፣ ምስ ጂቡቲ ተራኺቡን ምስ ሶማል ድማ ዝምድንኡ ኣሐዲሱን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ብፍላይ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ግና ዝተራእየ ምምሕያሽ ከምዘየለ ኣዘኻኺራ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ እኳ ደኣ ብዝገደደ ምግሃስ መሰል እምነታትን ሃይማኖታውያን ትካላትን ይግሃስ ምህላዉ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝተወስደ ናይ ምህጋር ስጉምቲ ከም ኣብነት ኣቕሪባ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብሃይማኖትን እምነትን፣ ነቐፌታ ንመንግስቲን ተሳቢቡ ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መስርሕ ምእሳር ቀጻሊ ዝርአ ፍጻሜታት ምዃኑ ዘመልከተት እታ ኮሚሽነር፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉን ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ሓደ ካብቲ መሰል ዜጋታት እታ ሃገር ንምግሃስ ኣውራ ጠንቕታት ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ብምትኳር ምስ መንግስቲ ኤርትር ምትሕግጋዝ ከበርክት ዘለዎ ቅርቡነት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝልኣኸ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣፍሊጣ።

መበል 43 ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብተን ግኑን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝርኣየለን ከም ኤርትራን ኢራንን ዝኣመሰለ ሓያሎ ሃገራት ብምትኳር፣ ካብ 24 ለካቲት ክሳብ 20 መጋቢት ኣብ ጄኔቫ ይሰላሰል ኣሎ።

===============