ኤርትራ፣ ”ብዓይነቱ ፍሉይ” ዝተባህለ ዋዕላ ጸባ ተኻይዱ

RADIO ERENA:- Friday, 23 February 2024

ኣብቲ ዋዕላ ሚኒስተር ሕርሻ ኣረፋይነ በርሀ፣ ኣብ ኤርትራ ዛጊት ውሕስነት ጸባን ውጽኢቱን ክረጋገጽ ከምዘይከኣለ ኣረዲኡ።

እዚ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ከም ዝኾነ ዝተሓበረ ሃገራዊ ዋዕላ ጸባ ካብ ረቡዕ 21 ክሳብ ትማሊ ሓሙስ 22 ለካቲት ተኻይዱ።

ኣብቲ ዋዕላ ታሪኻዊ ምዕባለ ጽላት ጸባ ኣብ ኤርትራ፣ ናብ ዘላቕን ኣኽሳብን መጻኢ ክሰጋገሩ ዘኽእል ባይታ፣ ተመኲሮ ኢንዱስትሪ ጸባን ውጽኢቱን፣ ተራ ሕርሻዊ ምርምራትን ምህዞን ዝብልን ካልእ ተመሳሳሊ ኣርእስትታት ዝሓዘ 20 መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም።

ነቲ ዋዕላ ካብ ዴንማርክ፡ ኣየርላንድ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ህንዲን ኬንያን ዝተወከሉ ሞያውያን ተሳቲፎሞ።

=======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0