ኤርትራ፣ ብቻይና ተወዲቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ካብ ዝሎ ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ቦኺራ

Radio Erena

ኤርትራ፣ ካብቲ ብቻይና ተወዲቡ፣ ካብ 20 ክሳብ 22 ሰነ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ቦኺራ።

ኤርትራ፣ ኣብቲ ዋዕላ ክትሳተፍ፣ ብቻይና ወግዓዊ ዕድመ እኳ እንተቐረበላ፣ ወኪላ ከምዝዘይሰደደት ኣፍሪካን ኒውስ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተራትን ኣምባሳደራትን ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያን ኡጋንዳን ኣብ ዝተረኽብሉ ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቻይና ኣብቲ ዞባ ንዘለዉ ግጭታት ንምፍታሕ ክትሽምግል ከምእትደሊ ኣፍሊጣ።

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና፣ ዡ ቢንግ፣ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ሃገራት እቲ ዞባ ንቻይና ከም ሸምጋሊት ክትዋስእ እንተፈቒደናላ፣ ንሱ ብወገኑ ድሉው ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ መዐንደሪ ካልኦት ሃገራት ክኸውን ከምዘይብሉ ዘተሓሳሰበ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና፣ መግዛእታዊ ዕብለላን ዝሑል ኵናትን ኣብ ህዝቢ’ቲ ዞባ ዝፈጠሮ ስቓይ ቀሊል ከምዘይኮነ ካብ ታሪኽ ክንርዳእ ንኽእል ኢሉ።

ቻይና፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ምእታው ኮነ በይናዊ እገዳታት ከምእትቃውም ድማ ኣዘኻኺሩ።

ቻይና፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ በይናዊ እገዳታት ክትቓወም ምጽናሕን ምስ ኤርትራ’ውን ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋን ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ጸጥታ፣ ምሕደራን ልምዓትን ዘተኮረ ቀዳማይ ዋዕላ ቻይና-ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይተሳተፈትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0