‘ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብናይ 6 ቢልዮን ዶላር ጥሙር ፕሮጀክት፣ ኣብ ሱዳን ሓድሽ ወደብ ክትሃጽ’ያ።’ ሮይተርስ

Radio Erena: 22 June 2022

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን፣ ብናይ ኣስታት 6 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ፣ ምህናጽ ሓድሽ ወደብ ዝርከቦ ጥሙር ፕሮጀክታት ከተተግብር ምዃና፣ ንኣቦ መንበር ናይቲ ብ’ጉጅለ ዳል’ ዝፍለጥ ግዙፍ ናይ ኣምጻእን ለኣኽን ናይ ወፍሪ ትካል ሱዳን፣ ኦሳማ ዳውድ ዓብደለጢፍ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ናይ ወፍሪ ጉጅለ ኣካል እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምዃኑ ዝጠቐሰ ሮይተርስ፣ እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝህነጽ ሓድሽ ወደብ፣ ናጻ ንግዲ ዞባ ዝርከቦ ሕርሻን ካልእ ናይ ልምዓት መደባትን ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ምህናጽ እቲ ሓድሽ ውደብ ንበይኑ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ክግመት ተገሚቱ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ከም ኣካል ስምምዕ ናይቲ ጥሙር ፕሮጀክታት፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቁጠባ ሱዳን ንምብርባር፣ 300 ሚልዮን ዶላር ናብ ሕሳብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ከተሰጋግር’ያ።

ሃገራዊ ባንክ ሱዳን፣ ካብ ውጻኢ ሃገር ፊናንስያዊ ደገፍ ክረክብ፣ ድሕሪ’ቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ንሲቪላዊ መላፍንቱ ብምእላይ ስልጣን ብሒትሉ ዘሎ ኣስታት ሓደ ዓመት፣ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን ብወገኑ፣ ኣብ መንጎ ሃገሩን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ ወደብን ሕርሻን ዘተኮረ ናይ መዘክር ሰነድ፣ ብረቡዕ 22 ሰነ ከምዝተኸተመ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ ዝርዝር ናይቲ ዝተኸተመ ሰነድ ኣይሓበረን።

ብቅልውላው እትሕመስ ዘላ ሱዳን፣ ቁጠባኣ ንምብርባር፣ ካዝና መንግስቲ ብውሕዱ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ባጤራ ከምዘድልዮ ክኢልታት እዚ ዓውዲ የረድኡ።

እቲ ብስምምዕ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብዝመደበሩ ኩባንያ ኣገልግሎት ወደብን ጉጅል ወፍሪ ዳል ናይ ሱዳን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ ሓድሽ ውደብ፣ ዝርከበሉ ልክዕ ከባቢ ይኹን ንኽዛዘም ዝወስደሉ ዓመታት ኣይተነጸረን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0