Radio Erena: 17 April 2019
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረ ሰብ ፖለቲካ፣ ስነጥበብን ካልኦትን፣ ብሞት ህቡብ ኤርትራዊ ጸሓፊ ተኪኤ በየነ ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።
እቶም ኤርትራውያን ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት፣ ብሎጋትን ካልእ መንገድታትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዘለዉ መልእኽታት፣ ደራስን ተርጓምን ኣቶ ተኪኤ በየነ፣ ብፍላይ በታ፣ ንውልቀ ተሞክሮኡ እትነዘንቱ ድርሰቱ ካብ “ሪቕ ሕፍንቲ” ዘሕደረሎም ኣድናቖት ይጠቕሱ።
ኣብ ፍልስፍና ዘተኮረት ናይ ትርጉም ፍርያቱ ዝኾነት ” ሶፍያ’ውን” ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብብሉጽ ድርሰታት ዝንበባ መጻሕፍቲ ትግርኛ’ያ።
ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድሚኡ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብሞት ዝተፈልየ፣ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ኣቶ ተኪኤ በየነ፣ ቀዳማይ ኣማሓዳሪ ባንኪ ኤርትራ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሩ ምስቲ ስርዓት ብዝነበሮ ናይ ኣረኣይያን ምሕደራን ፍልልይ፣ ንነዊሕ ዓመታት ደስኪሉ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣባላት ሬድዮ ኤረና፣ ብሞት ደራሲ ተኪኤ በየነ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ፣ ንስድራቤት ጽንዓት ተመንዮም።
===================