ኤርትራዊት ሞሳና ደበሳይ፣ ፈለሚት ጸላም ኣፍሪቃዊት ጓለነስተይቲ ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ውድድር ኦሎምፒክ ክትከውን’ያ

Radio Erena: 11 May 2021

ኤርትራዊት ሞሳና ደበሳይ፣ ፈለሚት ጸላም ኣፍሪቃዊት ጓለነስተይቲ ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ውድድር ኦሎምፒክ ብምዃን ስማ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ከተስፍር እያ።

እዛ ጓል 27 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ነዚ ታሪኽ’ዚ ከተመዝግብ ምዃና ዝግለጽ ዘሎ፣ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2021 ንምስታፍ፣ ኣብ ጀርመን ምስ ክለብ ባይክ ኤይክ ልምምድ ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ሞሳና ሓዋ መኽሰብን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝተኻየደ፣ መበል 15 ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝተሰላሰለ ቅድድም ጽርግያ፡ ከካብ ጾትኦም ቀዳሞት ኮይኖም ብድሕሪ ምዕዋቶም፡ ኣብ’ቲ ካብ 24 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2020፣ ኣብ ቶክዮ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ መበል 32 ውድድር ኦሎምፒክ ክሳተፉ ምዃኖም’ዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ፣ እቲ ውድድር ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብሓደ ዓመት ተናዊሑ።

ሞሳናን ምስ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ ኤይድ ዝቀዳደም ሓዋ መኽሰብን፣ ኣብዚ ናይ 2021 ኦሎምፒክ፣ ክልተ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዝወዳደሩ ኣንጻር ጾታ ኣሕዋት ብምዃን ካልእ ታሪኽ’ውን ከምዝግቡ’ዮም።

ኣብ ርእሲ’ዚ መኽሰብ ደበሳይ፣ ካብ ክለብ ባይክ አይድ ናይ መጀመርያ ተሳታፊ ውድድር ኦሎምፒክ ንምዃን ክበቕዕ’ዩ።

ሰለስተ ግዜ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ደቂንስትዮ ኤርትራ ዝኾነት ሞሳና ደበሳይ፣ ካብ 2018 ክሳብ 2019 ማልያ ኢጣልያዊት ክለብ ሰርቬቶ ለቢሳ፣ ብደረጃ ፕሮፌሽናል ዝተወዳደረት ናይ መጀመርያ ኤርትራዊት ጓለነስተይቲ’ያ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    abraham habte 3 years ago

    ጽቡቕ ዕድል አምነየላ ስማን ስም ሃገራን ድማ ተጸውዕ ይግበራ።ስማ ጥራይ ደይኮነት ስም ሃገራውን ኣብቲ ውድድር ብምስታፋ ኣመዝጊባ አያ።