ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ዝተላብዐ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም፣ ኣስታት 30 ተማሃሮ ኣጥቂዑ

Radio Erena: 28 November 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ብዝተራእየ፣ ዛጊት እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ተላባዒ ሕማም፣ ኣስታት 40 ተማሃሮ ናብ ህጹጽ ሕክምና ከምዝተወስዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ትማሊ ረቡዕ፣ 27 ሕዳር፣ ፍረ ህይወት ኣብ ዝተባህለት ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝተራእየ ሕማም፣ ሰዓልን ተምላስ ዘስዕብ ኮይኑ፣ ኣብ ክልተ ክፍልታት ዝርከቡ ተማህሮ ብኡ ንብኡ ተጠቒቖም’ዮም ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ምልክታት እቲ ሕማም ናብ ካልእ ክፍልታት ክልሕም ስለዝተራእየ፣ ኣስታት 100 ዝኾኑ ካልኦት ተማሃሮ’ውን ንመርመራ ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣምበሳ ከምዝተወስዱ ንርእሰ መምህር ናይታ ቤት ትምህርቲ ብምጥቃስ እተን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

እቲ ሕማም ካብ ምንታይ ዝነቐለ ምዃኑ ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ፣ እታ ቤት ትምህርቲ ንተማህሮ መግቢ ተዳሉ ብምዃና፣ ዝተበከለ መግቢ ዘስዓቦ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Ezeom dea guhaf indue adom ezi keman zeyhamu