ብሪጣንያ፣ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፣ መጥቃዕቲ ኣካይዶም

Radio Erena: 28 November 2019

ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ልዕሊ መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ኣሰና፣ ጋዜጠኛ ኣማኑኤለ ኢያሱ መጥቃዕቲ ኣካይዶም።

እዚ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብሰሉስ 26 ሕዳር፣ ኣብ ለንደን፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፣ መቐጸልታ ናይቲ ዝድግፍዎ ስርዓት፣ ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዘለዎ ቅርሕንቲ ዘጉሕል ምዃኑ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ርእይቶ ይቐርብ ኣሎ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ዝተኻየደ ፈተነ መጥቃዕቲ፣ ድምጺ ህዝቢ ንዝኾኑ ወገናትን ደለይቲ ፍትሕን ንምርዓድ ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብ ጉዳያት ኤርትራ ብምትኳር ንዝጽሕፍ፣ ማርቲን ፕላውት ንዝተባህለ ወጻእተኛ ጋዜጠኛ፣ ኣብ ለንደን ተመሳሳሊ መጥቅዕቲ ኣካይዶም’ዮም።

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ሓበሬታ፣ እቲ ጉዳይ ብሕጋዊ መስርሕ ተታሒዙ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ሬድዮ ኤረና፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ደለይቲ ፍትሒ ንዝኾኑ ወገናት ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ጎነጽ ብትሪ ትኹንን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0