Radio Erena: Thursday, 13 July 2023
ጉዳይ ሱዳን ብዘተ ንምፍታሕ ዝካየድ ዞባውን ኣህጉራውያን ምትእትታዋት ከምዘይድግፍ ዝገለጸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ይሳተፍ ኣሎ።
ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ዝወደቦ፣ ሎሚ 13 ሓምለ፣ ኣብ ካይሮ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጎረባቲ ሃገራት ሱዳን፣ መራሕቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ቻድ፣ ሊብያን ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃን ይሳተፉ ኣለዉ።
ምስ ሸውዓተ ሃገራት ኣብ እትዋሰን ሱዳን፣ ሳልሳይ ወርሑ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት ክልተ ተጻረርቲ ወትሃደራውያን ሓይልታት፣ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክርከበሉ እንተዘይክኢሉ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋታት ክፈጥር ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።
ዕላማ’ቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት’ውን፣ ኣብዚ ዛዕባ’ቲ ዘተኮረ ምዃኑ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣነጺሩ።
ኣቐዲሙ ብ10 ሓምለ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብምትኳር፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዋዕላ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ብኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ተነጺጉ’ዩ።
ናይ ኢጋድ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ክመርሕ ዝተመዘዘ፣ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ ምስ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝወገነ’ዩ ብምባል’ዩ ጀነራል ኣልቡርሃን ነጺግዎ።
ቅድሚ’ቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዋዕላ ኢጋድ፣ ብ08 ሓምለ ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ምክትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ማሊክ ኣጋር፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ምምይያጥ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኤርትራ፣ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ጻዕርታት ከምዘይትድግፍን ከምዘይትሳተፍን ኣረጋጊጻ ኢሉ ኔሩ።
ማሊክ ኣጋር ኣብ መግለጺኡ፣ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሱዳን ደው ከምእትብል እኳ እንተረጋገጸት፣ ኣብታ ሃገር ብስም መፍትሒ ንምንዳይ ንዝካየድ ፖለቲካዊ ባዛር ግና ከምዘይትሳተፍ ምሕባራ’ዩ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ምስ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን ዘካየዶ ርክብ፣ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ብሱዳናውያን ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ ዝብል እምነት ከምዘለዎ’ውን መግለጺ እቲ ምክትል ኣቦ መንበር ኣገንዚቡ።
እቲ ፕረዚደንት፣ ራብዕቲ ድሕሪ’ቲ ምስ ምክትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዘካየዶ ምምይጥ ድማ’ዩ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ንምስታፍ፣ ብ12 ሓምለ ናብታ ሃገር ኣምሪሑ።
====================
COMMENTS