Radio Erena: Tuesday, 19 September 2023
ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ከባቢታት ኦምሓጀር፣ ጎልጅን ተሰነይን፣ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወዩ ቢራ ኣከፋፊልኩም ዝተባህሉ ነጋዶን ወነንቲ ንኣሽቱ ዱኳናትን ተኣሲሮም።
ከም ቢራ ዝኣመሰለ ፍርያት ኢትዮጵያ ዝኾነ ነገራት፣ ብመንገዲ ሑመራ ብኣእጉድ ተጻዒኑ ብብዝሒ ከምዝኣቱ ‘ዮም ሓቢሮም ነዚ ሓበሬታ ናብ ራድዮ ኤረና ዝልኣኹ ምንጭታት።
ኣብዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን መሻርኽቶም ይሳተፉ እኳ እንተለዉ፣ እቶም ቀንዲ ግዳያት ማእሰርቲ ኮይኖም ዘለዉ ግና ኣከፋፊልኩም ዝተባህሉ ወነንቲ ንኣሽቱ ዱኳናትን ሓደ ሓደ ባራትን’ዮም።
ምስዚ ተኣሳሲሩ፣ ናይ ኢትዮጵያ ባጤራ ሒዝኩም ጸኒሑም ዝተባህሉ ነጋዶን ውልቀሰባትን በብእዋኑ ከምዝእሰሩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ።
ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዛጊት ንንግዲ ይኹን ምንቅስቓስ ሰባት ዑጹው እኳ እንተሎ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብዝቖጻጸሮ ከባቢታት ሰሜን ትግራይን፣ ብሑሞራን ግና ዘይሕጋዊ ንግዲ ከምዝርአ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።
ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሚሊሻታት ኣምሓራን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ወዲቑ ዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ፣ ብሑመራ ምስ ኦምሓጀር ዝዳወብ ምስ ምዃኑ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብቀንዲ ዝዋስእሉ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ገኒኑ ይርከብ።
ብመንገዲ ሑሞራን ኦምሓጀር፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝኣቱ ዝተጠቐሰ ነገራት ከም ጣፍ፣ ቢራ፣ ማይ ናይ ጎማ፣ ጽሟቕ ፍረታት፣ ዓሲር፣ ጸባ፣ ብሽኮትን፣ ዘይቲን ካልእን የጠቓልል።
ካብ ተሰነይ ክሳብ ኦምሓጀር ኣብ ዘሎ ከባቢታት፣ ባጤራታት ናቕፋን ብርን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምሽረፍ’ውን ምስዚ ሓበሬታ ተተሓሒዙ ተጠቒሱ ኣሎ።
ስእሊ፣ ተሰነይ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=======================
COMMENTS