ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝካየድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ካብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብቲ ዞባ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ዝበኣሰ ክኸውን ከም ዝኽእል UNHCR ኣጠንቂቑ

Radio Erena: Wednesday, 15 November 2023

ኣብ ዞባ ዳርፉር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝጸንሐ ምትፍናን ናይ ዓረብ ዘርኢ ዘለዎምን ዘይብሎምን ዓሌታት፣ ኣብ 2003 ናብ ጥርዙ ዓሪጉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዘመዛበለን ግጭታት ምኽሳቱ ይዝከር።

ነቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣብቲ እዋን ዝተኸስተ ኩነታት ንምቁጽጻር’ዩ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጎሎ ዝምራሕ ናይቲ እዋን’ቲ ጃንጃዊድ ናይ እዚ እዋን ድማ ፈጣን ሓይሊ ቆይሙ።

እቲ ሓይሊ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ፍጺምዎ ብዝተባህለ ገበናት ኵናት፣ ጀነራል ሐሚቲ ዝርከቦም ኣዘዝቱ፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ይህደኑ ምንባሮም’ውን ኣይርሳዕን።

እቲ ኣብ ቀቢላን ዓሌትን ዘተኮረ ግጭታት ንምህዳእ፣ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየደ ጻዕርታት ምሉእ ሰላም ከውሕስ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ብተዛማዲ ግና ግጭታት ኣጕዲሉ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ፈጣን ሓይልታት ንዞባ ዳርፉር ንምቁጽጻር ካብ 2 ሕዳር ጀሚሮም ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ገስጋስ፣ ክሳብ ሕጂ 1300 ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ግዝኣት ምዕራብ ዳርፉር ኤል-ጀነይና ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኣርዳማታ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመታት፣ ካብ 2 ክሳብ 6 ሕዳር ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ፈጣን ሓይልታትን ወተሃደራት ሰራዊት ሱዳንን ዝተኻየደ ውግእ፣ ኣብ ጥቓ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘጋጠመ ኮይኑ፣ እቶም ግዳያት ካብ ቀቢላ ማሳሊት እዮም።

ፈጣን ሓይልታት ምስ ናይ ዓረብ ምልሻ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ነበርቲ ዳርፉር ዝዓለመ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ’ውን ብምንባሩ፤ ኣብ ኣርዳማታ ጥራይ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ከምዝቖሰሉን 500 ድማ ከምዝተኣስሩን ጸብጻብ ዘይመንግስታዊ ትካል ዘ ሩትስ ኦርጋናይዜሽን ንሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ፈጣን ሓይልታትን ሰራዊት ሱዳንን ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር፣ ልዕሊ 4.8 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፣ 1.2 ሚልዮን ሰባት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዑቕባ ሓቲቶም።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ካርቱም ምስ ዝርከቡ ጀነራላቱ ብምርኻብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ገስጋስ ፈጣን ሓይልታት ንምግታእ፣ ሰፊሕ ጸረ መጥቃዕቲ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጡ ኔሩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0