ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ድምጺ’ቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታቶም ክኾኑ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 13 February 2022

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ድምጺ’ቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታቶም ክኾኑ ጻውዒት ቀሪቡ።
ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከራት ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ብሕጽረት መግብን መድሃኒትን ይሳቐዩ ከምዘለዉን፣ ብሰንኪ ሕማም ዓሶ ጥራይ ብዉሑዱ 32 ሰባት ሞይቶም ከምዘለዉ ካብቲ መዓስከር ዘምለጠ ዜጋ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
እቲ ተስፋይ ንጉሰ ዝተባህለ ዜጋ ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ተደኲኑ ዘሎ መዓስከር ደባት፣ ሓድሽን እኹል ቀረባትን ዘለዎ እኳ እንተዘይኮነ፣ ብውሑዱ ግና ንድሕነት ህይወት፣ ተዛማዲ ርግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
እዞም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታት፣ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተወሰነ እኽሊ ረዲኤት ካብ ዝወሃቡ፣ ብድሕሪኡ ዝኾነ ሓገዝ ብዘይምርካቦም፣ ክዳውንቶምን ካልእ ውልቃዊ ንብረቶምን ኣብ ምሻጥ በጺሖም ከምዘለዉ ይግለጽ።
እዞም ኣብ ትሕቲ ጽላል ተጸዋዒ ስደተኛታት ክኾኑ ዝግበኦም ስደተኛታት፣ ኣብ ጎድኒ’ቶም ምስ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፎም ዘለዉ ኤርትራውያን ውድባት፣ ብረት ክዓጥቁ፣ ጸቕጥታት ይግበረሎም ኣሎ ክብል ተስፋይ ንጉሰ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ማሕበረሰብ ዓለም ንኩነታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ ንክልል ትግራይ ከኣ ብፍላይ ምሉእ ኣቓልቦ ሂቡሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብቲ መዓስከራት እንርከብ ኤርትራውያን ዘቕረብናዮ ጥርዓናት ግና ግቡእ ምላሽ ኣይተዋህበናን፣ እዚ ከኣ ዘአውየልና ስለዘይረኸብና ኢና ብምባል፣ እቶም ኤርትራውያን ኩሉ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ዜጋ ድምጺ ክኾኖም ይጽውዑ።

======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0