ኣብ ኤርትራ ዝነጥፍ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኣውስትራልያ ይንቀፍ

Radio Erena: 20 October 2019

ኩባንያ ዕደና ፖታሽ ደንካሊ ነቲ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ካሉሊ ደንካልያ ( ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ) ዘካይዶ ዘሎ ዕደናን መኽሰቡን ንኤርትራውያን ዘለዎ ጉድኣት ከም ዝዛይድን ደው ክብልን፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣውስትራልያ ገሊጾም።

ነቲ ኩባንያ ኣብ ቤት ፍርዲ ንምኽሳሱ ዘድሊ መርትዖ ኣብ ምእካብ ከም ዘለው እውን መምህር መሓመድ ዑመርን ኣቶ ሳላሕ ዓብዱልራሕማንን ምስ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ገሊጾም።

ኣብ ኤርትራ ካብ 2010 ጀሚሩ ምስ ሃገራዊ ኮርፐረሽን ዕደና ኤርትራ ብማዕረ ማለት 50% እጃም ዘለዎ ኩባንያ ዕደና ፖታሽ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሰላስሎ ዘሎ ዕደና ብመንገዲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝሽፍኖን፣ ንክኢላዊ ዓቕሚ ብዝምልከት ድማ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጸ ካልእ ኩባንያ ከም ዝሽፍኖን ይግለጽ።

እዚ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ 2022 ሰደድ ዝጅምር ኩባንያ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ካፒታል ሒዙ እኳ እንተ ተበገሰ ፍርያቱ ንዕዳጋ ካብ ዝቐርበሉ ግዜ ጀሚሩ ግን ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዓመታዊ መኽሰብ ክሓፍሰሉ ከም ዝኽእል ይንገር።

እቲ ኩባንያ፣ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ መኽሰብ ክሕወሱ ሓደስቲ ዓደግቲ ብርኪ ንምስሓብ የወዓውዕ ከም ዘሎን እዚ ድማ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝጎዶሎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ ባይታ ንኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዝመዛ ጉልበትን፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝነበረ ዓመታዊ ኣኼባ ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ገሊጾምሎም ኔሮም።

ከምኡ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ተረባሒ ናይቲ ካብ መሬቱ ዝፈርይ ዘሎ ምህርቲ ተጠቃሚ ብዘይምዃኑ፣ ዓደግትን ኣውፈርትን፣ ብርኪ ናይቲ ኩባንያ ከይገዝኡ ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ ኣተሓሳሲቦም።

እንተኾነ እቲ ኩባንያ ነቲ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ‘’ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ እዩ፣ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ዘይርጉእነትን ምግሃስ ሰብእዊ መሰላትን የለን’’ ብምባል ከም ዝነጽጎ እቶም ኤርትራውያን ብምግላጽ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎ ዘኽእሎም መሰኻኽር ኣብ ኩሉ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምትሕብባር ክግበረሎም ሓቲቶም ኣለው።