ኣብ ኤርትራ፣ ንኣስታት 26 ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣመንቲ መሰኻኽር ጂሆቫ ተፈቲሖም

Radio Erena: 07 December 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ንኣስታት 26 ዓመታት ብዘይሕጋዊ ኣገባብን መስርሕ ፍርዲን ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣስታት 28 ኣመንቲ መሰኻኽር ጂሆቫ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲሑም።

እቶም ብዘይካ እምነቶም ካልእ ገበን ዘይፈጸሙ መሰኻክር ጂሆቫ፣ ክእሰሩ እንከለዉ፣ ገሊኦም ትሕቲ ዕድመ ገሊኦም ድማ ልዕሊ 20 ዓመታት ዕድመ ዝነበሮም’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዞም ንነዊሕ ዓመታት ብግፍዒ ሒዝዎም ዝጸንሐ ዜጋታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ክፍንዎ ዝመረጸሉ ምኽንያት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ኵናት ትግራይ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፣ ወያነ ጠቕሊላ ምስ ተኣልየት፣ እሱራት ክንፈትሕ ኢና ዝብል ወረ ይጋዋሕ ምንባሩ ኣቐዲሙ ብራድዮ ኤረና ምቅልሑ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ፣ ገና ብሰንኪ እምነቶም ጥራይ ዝተኣስሩ ኣማኢት ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ኣለዉ።

=====================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0